ቤት ትምህርቲ ሰንበት
እንቋዕ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትና ብደሓን መጻእኩም! ቤት ትምህርቲ ሰንበትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድመ ዘሎ ኣባላ ኣብ እምነቱ ክዓብን ብፍቕርን ሓልዮትን ክነብርን እትምህር ኣደ እያ። ትምህርቲ ብምስራዕ ድማ ብዛዕባ ሃብታም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና፡ ህይወት ቅዱሳን፡ ከምኡ’ውን ቀንዲ መትከላት እምነትና ትምህር። ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት፣ ንኹሉ ክልል ዕድመ ዝምጥን ትምህርቲ ብምድላው ተስተምህር፣ ዓቅሚ ኣባላት ኣብ ምዕባይ ኣበርቲዓ ትሰርሕ።
ምድባት
ቤት ትምህርቲ ሰንበትና ንነፍሲ ወከፍ ዕድመ ዝኸውን መደብ የቕርብ፣ ምስ ዕድሚኦምን ተመኩሮ እምነቶምን ዝተመጣጠነ ትምህርቲ ይምህር። ብኸመይ ብሓባር ብእምነትን ፍልጠትን ከም እንዓቢ ድማ ናይ ወትሩ ዕይኡ እዩ።
ምድብ ቅዱስ ጮርቆስ
ምድብ ጮርቆስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትና እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ህጻናት እዮም፡ ክልል ዕድሚኦም ድማ ካብ ሸውዓተ ዓመት ንታሕቲ እዮ። ጉዕዞ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድማ ብሓጸርቲን ቀልጢፎም ክሕዝዎም ዝኽእሉ መዝሙርን፡ ብዛንታታት ንፍቕሪ ኣምላኽ ንኽርድኡ ዝሕግዞም ቀለልቲ ትምህርትታት ይጅምሩ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ቑዱሳን፡ ሓጸርቲ መዝሙራትን። ኣብ ርእሲ እቲ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድማ፡ መባእታዊ ቋንቋ ትግርኛ ይመሃሩ።
ምድብ ቅዱስ ኣባኖብ
ምድብ ኣባኖብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትና ህጻናት ትምህርቲ ምስጢራተ ቤተክርስትያን ክመሃሩ ዝጅምሩሉ ምድብ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ዘለዉ ቖልዑ ዕድሚኦም ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዮ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ትርጉም እምነቶምን፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብዝያዳ ከምይ ይነብርዎ ብዕምቆት ይመሃሩ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ መባእታዊ ትምህርቲ ምስጢራተ ቤተክርስትያን፡ መዝሙር፡ ስርዓትን ልምድታት ቤተ ክርስቲያን። ኣብቲ ዘለዎም ናይ ምዝራብ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ፡ ብዝወሃቦም ትምህርቲ ምጽሓፍን ምንባብን ኣፍልጦኦም እናማዕበሉ ይቕጽሉ።
ምድብ ኢዮርሳሌም
ምድብ እዮርሳሌም ካብ ዓሰርተ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርተ ሸሞንተ ክልል ዕድመ ዘለዎ (ንኣሽቱ ትምህርቲ ሰንበት) ዝመሃርሉ ምድብ ኮይኑ፡ እዚ ክፍሊ ተመሃሮ እምነቶም ከዕምቑን ፍልጠቶም ከስፍሑን ይሕግዞም። እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ህይወቶም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ይድግፍ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ ምስጢራተ ቤተክርስትያን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ መዝሙር። ኣብ ርእሲ መንፈስዊ ትምህርቶም ድማ ዕሙቅ ዝበለ ቋንቋ ትግርኛ ይመሃሩ።
ምድብ ኣርድእት
ምድብ ኣርድእት ወይ ድማ ዓበይቲ ትምህርቲ ሰንበት። እዚ ምድብ እዚ እምነቶም ከዕምቁን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት ከስፍሑን ንዝደልዩ መንእሰያት ዝተመደበ እዩ። እዚ ክፍሊ ካብ ዝህቦ ዓሚቕ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ሓሊፉ ብተወሳኺ ደቂ ቤተክርስታያን ካብ ነሓድሕዶም ክመሃሩን ብእምነት ብሓባር ክዓብዩን ይሕግዝ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ ምስጢራተ ቤተክርስትያን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ መዝሙር፡ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን። እቲ ዝወሃቦም መንፈሳዊ ትምህርትታት፡ እምነቶም ከደልድሉሉን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ይመሃሩ።
ምድብ ቤተ ኣብርሃም
ምድብ ኣብርሃም ንዓበይቲ ኣባላት ቤተክርስትያን ብፍላይ ወለዲ ዝመሃርሉ ክፍሊ እዩ። እዚ ምድብ ንወለዲ ስድራቤቶም ብእምነት ከዕብዩን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣርኣያ ኮይኖም ከገልግሉን ዝሕግዝ ትምህርትን ዘተን የቕርብ። እዚ ምድብ እዚ እምነቶም ከዕምቁን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ፍልጠት ከስፍሑን ንዝደልዩ ዓበይቲ ሰባት እዩ።
ዝመሃርዎ ትምህርቲ፦ ወለዲ ብዘይካ እቲ ዝመሃርዎ ምስጢራተ ቤተክርስትያን፡ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ መዝሙርን፡ ንነብሶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ከመይ ጌሮም ንደቆምን ኣከባቢኦምን ኣብነታውያን ይኾኑ ይመሃሩ።
ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝህቦም ትምህርቲ
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትና፡ ሰፊሕን ዝተፈላለየን መደባት ናይ ትምህርቲ ዝርከብ ኮይኑ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ ኣገደስቲ መዳያት እምነትናን ትውፊታትናን ንምህር። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቶም ቀንዲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝምህሮም ነዚ ይመስሉ።
ምስጢራተ ቤተክርስትያን
ቀንዲ መትከላት እምነትና ከም ሓሙሽተ ኣእማደ ቤተክርስትያን፡ ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተክርስትያን፡ ስነ ፍጥረት እግዚኣብሔር ንሰማይን ምድራን ብኸመይ ኣብ ሸውዓተ መዓልቲ ከም ዝፈጠረ። ካልኦት መሰረት ሃይማኖታዊ ልምድና ዝኾኑ ኣገደስቲ ትምህርትታትን ስርዓታትን እውን ይምህር።
መዝሙር
መዝሙር ማለት ካብ ግዕዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ቃል ብቓሉ ክትርጎም ከሎ ምውዳስ፡ ምልማን፡ ምሕጓስ ወይ ምዚኣም ማለት እዩ። ካብዚ ወጻኢ ንኣምላኽ ብዕጽፊ ምምስጋን ማለት እዩ። ይኹን እምበር መዝሙር ናይ ሓዘን፡ ጓሂ፡ ሓጎስን መግለጺ ዜማ ውን’ዩ።
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን
ሃብታም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንናን ትውፊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን። መጽናዕቲ ኣብ ዘመናት ዝነበረ ምዕባለታት ቤተ ክርስቲያንን ጽልዋታቱን። ምኽንያቱ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ናይ ዓለም ታሪኽ ሓደ ክፋል ሒዙ ስለ ዝርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረና ”እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ኤር 6፡ 16
ታሪኽ ቅዱሳን
ናይ እምነትን ጽቡቕ ግብሪን ኣብነት ዝኾኑ ቅዱሳን ሕይወትን ተግባርን ምድህሳስ ናብ ዝተጓዓዝሉ ናይ ቅድስና መንገዲ ይመርሓና፡ ንዝሓሸ መንፈሳዊ ሂወት የዳልወናን፡ ናብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ የቕርበና። ከም ተወሳኺ ታሪኽ ቅዱሳን ምምሃር ብእምነት የነቓቕሓና፡ ሞራል ይህበና፣ ምስ ሃብታም ታሪኽ ቤተ ክርስትያን የላልየና።
ውልቃዊ መንፈሳዊ ዕብየት
ከመይ ጌርካ እምነትካ ኣዕሚቕካ ፈሊጥካ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ትዓብን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ዝወሃበካ ትምህርቲ ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ትነብረሉን ትጥቀመሉን።