ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን
ምዕራፈ ቅዱሳን ኣቡነ ተክለሃይማኖት
ኵሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረኣን ብዝፈጠረ። ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን።
ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድውን ነአምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ። ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ፣ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ። ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቅለ፣ ሓመመ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ፣ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ፣ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ ውን መወዳእታ የብሉን።
ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ንሱ አብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነኣምን። ኃጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን። ትንሣኤ ሙታንን ነቲ ዝመጽእ ዘለአለማዊ ሕይወትን ብተስፋ ንጽበ። ኣሜን።
ጸሎተ ሃይማኖት 325 ዓ.ም.ግ (ንቅያ)
ኣቡነ ተክለሃይማኖት
ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ጸጋዘኣብ ካብ ኣዲኦም ቅድስት እግዚእሃረያ ብ 24 መጋቢት ተጸኒሶም ብ24 ታሕሳስ 1197 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ሽዋ ቡልጋ ጽላልሽ/ዞረሬ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወልዱ። ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቚፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ፅዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም ትርጉሙ ድማ ናይ ጽዮን ሓጎስ ደስታ ተድላ ማለት እዩ።
ወዲ ዓመትን 3 ወርኅን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትኃዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ሕፃን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትኃዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ።
ክሳዕ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም። ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ሕፃን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ።
