ብዛዕባና
መእተዊ
እንቋዕ ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ምዕራፈ ቅዱሳን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ከተማ ቬርት ሃገረ ኔዘርላንድ ብደሓን መጻእኩም። ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንዝኾኑ መዕቆቢ ኮይኑ፡ እምነትናን፡ ልምድታት ሕብረተሰብናን እንዕቅበሉን ነደልድልን እዩ። ኣብ ከተማ ኣይንድሆቨን ብውሑዳት ኣሓዋት ደቂ ቤተክርስትያን ዝጀመረ ምትእኽኻብ፣ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ንብዙሓት ምንመናን ኣገልግሎት እንዳሃበ ኣብ ህንጻ ቤተክርስትያን (Fatima huis) ኣብ ከተማ ቬርት ተዶኪኑ ይርከብ። ቤተክርስትያና ኣብዚ ሕጂ ሰዓት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ እምነትናን ልምድታትና እንዕቅበሉ፡ ንሓድሕድና ንደጋገፈሉ፡ ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ዘሎ ምትእስሳር ነደልድለሉን ኮይኑ ይርከብ።
2014
ብኸመይ ተመስሪቱ
ኣብ 2014 ኣብ ከተማ ኣይንድሆቨን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እንጦንዮስ ናይ ግብጺ ተኣኪቦም እንዳኸዱ ይግልገሉ ነበሩ። ካብ ኣቡነ ዩሱፍ ካህን ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝረኸብዎ ምትብባዕ፡ ነቲ ፋሕ ኢሉ ዝነብረ ሕብረተሰብና ንምጥርናፍ ተበግሶ ጀመሩ። ኣብዚ ድማ እቶም ነዊሕ ዓመት ጌሮም ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ካህናት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም፣ ኣብቲ ኣገልግሎት ካህናት ናይቲ ከባቢ ክሳተፉ ሓሳብ ኣቕሪቦም። እቲ ብውሑዳት ዝጀመረ ምትእኽኻብ ቀልጢፉ ናብ ማሕበር ዓብዩ፣ ብዝሒ ኣመንቲ ድማ እናበዝሐ ከደ።
2014
2015
ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን
ኣብ 2015 ማሕበርና ኣብ ማእከል ከተማ ኣይንድሆቨን ናይ ገዛእ ርእሱ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምክራይ ኣገዳሲ ስጉምቲ ወሰደ። እዚ ሓድሽ ቦታ ኣገልግሎትና ብስሩዕ ክንውድብን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ማሕበረሰብና ርጉእ መሰረት ክንፈጥርን ዕድል ሂቡና። ናይ ገዛእ ርእስና ህንጻ ቤተክርስትያን ምክራይ፡ ከም ምስፍሕፋሕ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ካልእ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ተሳትፎ ዘለዎም ንጥፈታት ክንውድብ ዘኽእለና ምዕራፍ እዩ ነይሩ።
2015
2016
ወግዓዊ ኣፍልጦ
2016 ንማሕበርና ፍልይቲ ዓመት እያ ነይራ። ብንኡስ ሃገረ ስብከት፣ ንቤት ትምህርቲ ሰንበትና ወግዓዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ። ምሉእ ብምሉእ ምስ ድሌታት መንእሰይ ወለዶ ዝተመጣጠነ ስርዓተ ትምህርቲ ከነዳሉ ድማ ዓቢይ ዕድል ፈጢርልና። ብተወሳኺ ኣብታ ዓመት እቲኣ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ታቦት እውን ተቐቢልና። እዚ ፍጻመ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝነበረ መንፈሳዊ ምትእስሳር ዘደልደለን ሓድሽ ምዕራፍ ዕብየትን ምርግጋእን ዘመልክት ነበረ። እቲ ማሕበር እናሰፍሐ ቀጸለ፣ ተሳትፎ መንእሰያትን ዓበይትን እናወሰኸ ከደ።
2016
2019
ናብ ቬርት ምግዓዝ
ኣብ 2019 ብዝሒ ምእመናን እናዓበየ ብምኻዱ ኣብ ማእከል ከተማ ኣይንድሆቨን ዝርከብ ዝተኻረየ ህንጻ ቤተክርስትያን ንኹሉ ሰብ ከኣንግድ ኣይከኣለን። ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ብዝሒ ምእመናን ኣብ ግምት ብምእታው ዝዓበየ ቦታ ክንደሊ ወሰንና። እዚ ድሌትና ድማ ናብ ከተማ ቬርት ኣምሪሑና፣ ካብታ ዕለት እቲኣ ድማ ኣብኡ ንርከብ። ህንጻ ቤተ ክርስቲያን (Fatima Huis) ንኣገልግሎትናን ንጥፈታትናን ዘድሊ ቦታ ትህብ ጥራይ ዘይኮነትስ ማሕበርና ቐጻሊ ዝዕምብለሉ ቦታ ኮይኑ ኣሎ።
2019
2020ን ኪኖኡን
ማሕበራና ምጥንኻር
ኣብ 2019 ናብ ቬርት ካብ እንሰጋገር ጀሚሩ ማሕበርና እናዓበየን እናተጠናኸረን ይኸይድ ኣሎ። ብተወፋይነት ኣባላትና ተደሪኽና ሓድነትን፣ እምነትን፣ ትምህርትን ሃይማኖትን፣ ኣብ ልቢ ኩሉ ምእመን ዝኾነሉ ጽኑዕ መጻኢ ንምህናስ ንሰርሕ ኣለና። ሓደስቲ ወለዶታት ዝሳተፍሉ፡ ልምድታትና ህያው ንገብረሉ፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ሰብ መጺኡ ክሳተፈሉ ዝኽእል ባይታ ንምፍጣር ቀጻሊ ዕዮና እዩ። ማሕበርና እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ቁጽሪ ምእመናን ውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳ ዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ድማ ንሓድሕድና ክንደጋገፍን ኣብ ውሽጢ ማሕበራ ዘሎ ምትእስሳር ክድልድልን ኩሉ ኣማኒ ግዴትኡ ክገብርን፣ ዓቅሙ ዝፈቅዶ እጃሙ ከበርክትን ሓደራ ትብል ቤተክርስትያን።
2020ን ኪኖኡን