Merafe Kidusan Abune Teklehaymanot

ስርዓተ ቅዳሴ

ቅዳሴ ማለት ዝተቐደሰ፡ ዝተባረኸ፡ ዝተመስገነ ማለት እዩ። ትርጉም ናይቲ ቃል ድማ ምቕዳስ፡ ምኽባር፡ ምምስጋን እዩ። ቅዳሴ ቃል ብቃል ክንትርጉሞ ከለና ናይ ምስጋና መደብ (ናይ ምስጋና ስርዓት) ማለት እዩ።

ስርዓተ ጥመቀት

ጥምቀት ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱሱን ጸሎት ኣብ እተገብረሉ ማይ ሰለስተ ግዜ ጠሊቅካ ብምውጻእ ናይ እግዚኣብሔር ውሉድነት እንረክበሉ ምስጢር እዩ። "ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።" ወንጌል ማርቆስ 16: 16

ስርዓተ ተክሊል

ምስጢረ ተክሊሉ፡ መርዓትን መርዓውን ሓደ ናይ ምግባር ጸጋ ዘውህብን ሓድነቶም ዝባርኽን ቅዱስ ምስጢር እዩ። "ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ።" ኤፌሶን 5፡ 31

ጸሎተ ፍትሓት

ፍትሓት ዝብል ቃል “ፈትሐ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወፅአ ኾይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ “ምፍታሕ” “ምልቃቕ” ማለት እዩ። ምእንቲ እቶም ብናይ ስጋ ሞት ዝተፈልዩ ምእመናን (ኣመንቲ) ዝግበር ጸሎት እዩ።

Scroll to Top