ኣቡነ ተክለሃይማኖት

ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ጸጋዘኣብ ካብ ኣዲኦም ቅድስት እግዚእሃረያ ብ 24 መጋቢት ተጸኒሶም ብ24 ታሕሳስ 1197 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ሽዋ ቡልጋ ጽላልሽ/ዞረሬ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወልዱ። ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቚፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ፅዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም ትርጉሙ ድማ ናይ ጽዮን ሓጎስ ደስታ ተድላ ማለት እዩ።
ወዲ ዓመትን 3 ወርኅን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትኃዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ሕፃን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትኃዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ።
ክሳዕ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም። ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ሕፃን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ።
ሓደ ካብ መዓልታት ምስ ብጾቶም ኣብ ሃድን እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ካብ ድኅር ሕጂ ኣራዊት ዘይኮነ ሰባት ክትሃድን ኢኻ ድዉይ ናይ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ናይ ምውፃእን ምዉት ናይ ምትንሣእን ሥልጣን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብካ ኣሎ፤ ስምካ ድማ ፍስሐ ጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት ድማ ተክለ አብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ተገሊጹ ሓዋርያት ናብ ዘይበጽሕዎ ምድሪ ንኽልእኸካ ብቕዱስ ሚካኤል ገይረ ሓድሽ ስም ብምሃብ ሓድሽ ሓዋርያ ጌረካ ኣለኹ።
22 ዓመት ምስ መልኦም ናብ ኣባ ቄርሎስ ብምኻድ ቅስና ተቐቢሎም ኣቡኦም ብዘገልገሉሉ መዓርግ ኣቡኦም ኣብ ዘገልግልሉ ደብሪ ከገልግሉ ጀመሩ። ብመጀመርታ ኣዲኦም ቀጺሎም ድማ ኣቡኦም ምስ ዓረፉ ዘለዎም ኵሉ ሸይጦም ንድኻታት ብመሃብ ገዝኦም ብኽፍቱ ገዲፎሞ ወፁ። ብዙኃት ሕዝቢ ድማ ነቲ ብስም እግዚአብሔር ዝገብርዎ ብዙኅ ተኣምራት ርእዮም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም እናተጠመቑ ተኸተልዎም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ከባቢ ቡልጋ ኣብ ዕንጨት ዝኣምኑ ኣብ ባሕሪ ዘምልኹ መድኃኒት ዝቓምሙ ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣዖትን መሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦና ነዚ ምስ ሰምዑ ሩባ ተሳጊሮም ብምኻድ ነቲ ሕዝቢ ካብቲ ኂዝዎ ዝነበረ እንስሳዊ ባህሪን ዘምልኾ ዝነበረ ገረብን ገዲፉ ናብ ኣምልኾ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለሱ እናገሠፁ ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ። እቲ ሕዝቢ ግና ክሰምዖም ኣይከኣለን ብኣንጻሩ ትምህርቲ ወንጌል ከቋርጽዎ ኣዘዝዎም። ኣቦና ግና ብፍጹም እምነት ናብቲ እቶም ሕዝቢ ዘምልኽዎ ገረብ ከዱ፡ ኣብቲ ገረብ ዝኃደረ ሰይጣን ኣነ ፈጣሪኹም እየ ዝብል ድምፂ የውፅእ ነበረ። ኵሎም ሕዝቢ ድማ ነቲ ገረብ ይሰግድሉን ዝደለዮ ይሥውዕሉን ነበሩ።

ኣቦና ምስቶም ሕዝቢ ናብቲ ገረብ ምስ ቀረቡ ኣብቲ ገረብ ኃዲሩ ዝምለኽ ዝነበረ ሰይጣን “ነዚ ሰብ’ዚ ኣይተቕርቡለይ” እናበለ ከጉርዕ ጀመረ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ነቦና ገዲፎም ናብቲ ገረብ ከዱ፡ ኣቦና ግና ገጾም ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ፈጣሪኦም ምእንቲ ወገናቶም “ ኦ ጐይታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ ዚሠልጠነ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና፡ ነዚ ሰይጣን እዚ ኣዋርዶ፡ ዘውትር ክረድኣካ እዩ ዝበልካኒ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ልኣኸለይ፡ ናይዚ ሰይጣን ኃፍረቱ ግለጽ፡ ጐይታ እግዚአብሔር ምግባር ካባኻ እዩ፡ኣብዞም ዝተኣከቡ ሰባት ስምካ ይገለጽ፡ ሥራሕካ ይፈለጥ ንስኻ ዓቢ ምዃንካ ይፍለጡ” እናበሉ ክጽልዩ ጀመሩ። ናብቲ ሕዝቢ ዘምልኾ ገረብ ተመሊሶም “ ኣንቲ ሰይጣን ኣባኺ እናኃደረ ሕዝቢ ዘስሕተልኪ ገረብ፡ እዚ ሕዝቢ ኃይሊ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርኢ በቲ ኣነ ዝኣምኖን ዝሰግደሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዘለኽዮ ተላዒልኪ ናባይ ክትመጽኢ እእዝዘኪ ኣለኹ” ኢሎም ኣዘዝዋ። ሕዝቢ ናብታ ገረብ እናሰገደ እታ ገረብ ግና እግሪ ከም ዘለዋ እና ተጓዕዘት ኣቦና ጻድቕ ተኽለሃይማኖት ናብ ዘለውዎ ቦታ ኸይዳ ቆመት። እቲ ኣብታ ገረብ ዚኃደረ ሰይጣን ድማ “ኣታ ክፉእ ሰብ እቲ ዝገደፍኩልካ መላእ ኣውራጃ ከይ ኣኽለካስ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ባሮተይ ኪትምንጥለኒ መጺኻ” እናበለ ጨርሐ። ብድኅሪ እዚ ቕዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ከም መብረቕ ብምውራድ ንሰይጣን ሓኒቑ ኃዞ። በዚ ጊዜ ሰይጣን “ሚካኤል ጊዜይ ከይበጽሐ ኣይተጥፍኣኒ ድኅሪ ሕጂ እዚ ሰብዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣይቀርብን እየ” እናበለ ጨደረ። ብድኅሪ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናብ ኣቦና ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ቀሪቦም “ኦ ናይ ሕይወት ብርሃን ኣቦና ናብቲ ዝፍቶ ናይ ወንጌል ጐደና ምርሓና” እን በሉ ኣብ እግሩ ወደቑ። ቦታ ክሳዕ ዝጸቦም ንኣሽቱን ዓበይትን ኣወዳትን ኣዋልድን ተኣኪቦም “ንሕና ውን በቲ ትኣምኖ ኣምላኽ ኣሚንና ኣለና” በልዎም። ኣቦና ድማ “መጽኣት” ናብ ዝተባህለት ሩባ ወሪዶም ነቲ ማይ ብምብራኽ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቕዎም።
በዚ ኸምዚ ብዙኅ ተኣምራት እናፈጸሙ ኣብ ብዙኅ ቦታታት እናተዛዋወሩ ሕዝቢ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ እምነት ክርስትና መለስዎ። ቲላት ዝተባህለ ናይ ውራጌ ቦታ በጽሑ። እቲ ኸባቢ ብጠንቋሊ ንጉሥ እዩ ዚመኃደር ነይሩ። ኣቦና ኣትዮም ኣምልኾተ ጣዖት ክገድፉ ወንጌል ክመሃሩን ኣጽኒዖም ስለ ዝገሠፅዎም ብኣፎምን ብኣፍንጭኦምን ደም ክሳዕ ዚወፁ ቀጥቀጥዎም። ዝሞቱ መሲልዎም ኣብ እግሪ ጎቦ ደርብዮሞም ከዱ፤ ቅዱስ ሚካኤል ግና እንደገና ጽንዓት ሂቡ ኣተንሥኦም። ደጊሞም ብኃይሊ ብምትንሣእ ድማ ነቲ ጠንቋሊ ንጉሥን ሕዝብን ወንጌል ኪምህርዎም ጀመሩ።እንደገናውን ብርቱዕ ተቓውሞ ስለ ዘርኣዩ ግና “ኣንቲ ምድሪ ተኸፊትኪ ኪትውሕጥዮም ብስመይ ዘይ ኮነ ብስም እግዚአብሔር እእዝዘኪ ኣለኹ” ምስ በሉ ከምቲ ንዳታንን ኣቤሮንን መሬት ተኸፊታ ዝወሓጠቶም ነቲ ንጉሥን ጠንቆልትን ወሓጠቶም። ናይ ዳሞት ንጉስ ሞተሎኒውን ተቐቢሉ ክልተ ጊዜ ብጸድፊ ደርበይዎም እዩ ቅዱስ ሚካኤል ብኽንፉ ስለ ዝተቐበሎም ግና ተንሢኦም እንደገና ኣብ ቅድሚ ሕዝብን ንጉሥን ብትብዓት ወንጌል መሃሩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙኅ ተኣምራትን ስለ ዝገበሩ ድማ ሕዝቢ ብእግዚአብሔር ኣመኑ፡ ንጉሥ ሞተሎኒውን ኣሚኑ ተጠምቀ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብዙኅ ርስትን ገንዘብን ሃበ። ኣቦና ድማ ክርስትና እናመሃሩ ን 12 ዓመት ኣብቲ ቦታ ጸንሑ። ንኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ዲቁናን ቅስናን ዝሃብዎም ኣቡነ ቄርሎስ ድኅሪ ምዕራፎም ንብዙኅ ዓመታት ጳጳስ ካብ ግብጺ ኣይመጹን ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦና ምሂሮም ንዝመሥረትወን ኣብያተ ክርስቲያን ታቦት ዝባርኸሎም ጳጳስ ስኢኖም ይሽገሩ ነበሩ። በዚ ጊዜ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ጸለዩ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ከምቲ ብሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብ ናይ ጳጳሳት ሽመት ዘይኮነ ብሰማያዊ ሽመት ሸይመካ ኣለኹ” በሎም። በዚ ሰማያዊ ሽመት ድማ ኣቦና ሜሮን ኣፍሊሖም ታቦት ብምብራኽ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናት መሥረቱ።
ኣቦና ኣብ ገዳም ብምእታውውን ብጸሎት ይነቕሑ ኔሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1 መዝሙረ ዳዊተ 10 ስግደት እናሰገዱ፡ ንመዓልቲ 3650 ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ደብረ ጎል ምስ ገበሩ፡ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ “ኣብ ደብረ ሃይቅ ኢየሱስ ሙኣ ዝበሃል ሕያዋይ ሰብ ክትረክብ ኢኻ ንሱ ድማ ኣርዑት ምንኵስና ከሰክመካ እዩ እሞ ክመርሓካ እየ ተኸተለኒ” በሎም። ቅዱስ ሚካኤል ብግልጺ እናተራእየ ነቲ ባሕሪ እናረገጸ መርሖም ኣቦናውን ኣብቲ ባሕሪ ከም ኣብ መሬት እናተጓዕዙ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን በጽሑ። ኣባ ኢየሱስ ሙኣ ብደስታ ተቐቢሎም ናይ ቅድስናን ናይ መላእኽትን ምሳሌ ዝኾነ ናይ ምንኵስና ልብሲ ኣልበስዎም። ኣብኡ ድማ ብብዙኅ ገድልን ጸሎትን ነበሩ፡ ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን መግቢ ከይበልዑ ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ ጸንሑ። ኣብ ከምዚ ትግሃት እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ መንዚዑ ብምውሳድ ናብ ሣልሣይ ሰማይ ኣብጽሖም። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን መላእክት ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ውዳሴን መዝሙርን ተመልከቱ። ካብቲ ዝፋን ድማ “ክፍልኻ ምስዞም 24 ካህናተ ሰማይ ይኹን” ዝብል ድምጺ መጾ። ናይ ወርቂ ጽንሃህ ኂዞም ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ክዓጥኑ ጀመሩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ከምዚ ብምባል ቃል ኪዳን ኣተወሎም “ከምቲ ዝፈተኻኒ ፈትየካ ኣለዅ ስምካ ልዑል ክቡር ጌረዮ ኣለኹ፡ ኵሉ ብጸሎትካ ዝእመን ስሌኻ ክድኅን እዩ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ ኣነ ኣብ ሰማይን ምድርን ከኽብሮ እየ” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቦና ነዚ ሰማያዊ ናብራ ምስ ተመልከቱ ልቦም ብፍቕሪ ናይዚ ሰማያዊ ኣምላኾም ተቓጸሉ። ለይትን መዓልትን ዳዊትን ካልኦት ጸሎታትን ኣብ ምድጋም ድማ ተግሁ።

በዚ ኸምዚ ኣብ ሃይቅ 10 ዓመታት ምስ ጸንሑ ናብ ምድሪ ትግራይ ብምምጻእ ኣብ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብሪ ደብረ ዳሞ ምስ ኣባ ዮሓኒ ተራኸቡ። ኣብኡ ድማ ን 12 ዓመታት ተቐመጡ። ድኅሪ 12 ዓመታት ናብ ካልኦት ናይ ትግራይ ቦታታት ክኸዱ ድማ ነቲ ብገመድ ዝውረድ ናይ ደብረ ዳሞ ጎቦ ብገመድ ክወርድዎ ምስ ጀመሩ፡ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ነቲ ገመድ ቆረጸሎም። እግዚአብሔር ድማ 6 ናይ ጸጋ ክንፊ ሃቦም፡ እቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኰሳት እናረኣይዎም በዚ ኣምላኾም ዝሃቦም ክንፊ እናበረሩ ናብ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ። ኣብ ሓውዜንን ካልኦትን ገዳማት ምድሪ ትግራይን ከባቢኡን እናተዘዋወሩ ባረኽዎም። ናይ ብርሃን ዓንዲ እናመርሖም ናብ ኢዮርሳሌም ብምኻድ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተወለደሉ ካብ ገሊላ ጀሚሮም ክሳዕ ዝዓረገሉ ደብረ ዘይቲ በጽሑ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጺቦም ድማ ኣባ ዮሐንስ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ብምኻድ ካብ መነኰሳት በረኸት ተቐቢሎም ንሳቶምውን ባሪኾሞም። ኣብ ደብረ ሲሃት ዘርከቡ መነኰሳት ውን ሰላም በልዎም። ግብጻዊ ጳጳስ ኣባ ዮሐንስ 5ይ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ብምምጻእ፡ “ነዚ በይንኹም እተገልግልዎ ሕዝቢ ተማቒልና ንምርሓዮ” ምስ በልዎም ኣቦና ግና ብትሕትና “ሕጂስ እንቋዕ ንስኹም መጻእኩም እምበር ኣነ ናብ በዓተይ ክኸይድ” ብምባል ናብ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ኣተዉ።
ኣቡነ ሊባኖስ ዝመሥረትዎ ገዳም ሓራስ ዚተባህለ ጠንቋሊ ተቖጻጺርዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣቦና ንእኡ ኣባሪሮም ብ 1267 ንደብረ ሊባኖስ በዓቶም ገበርዋ። ኣቦና ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም ነቲ ዝነበርዎ ጫካ ከፊሎም ታቦተ ማርያም የእተውሉ። ብጸሎቶም ድማ ኣብቲ ጫካ ማይ ኣፈልፈሉ ክሳዕ ሕጂ ድማ ማየ ተክለሃይማኖት እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣቦና ኣብዚ ገዳም ን 29 ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ ሰብነቶም ደኸመ እርጋንውን ኣርከበቶም፡ ብኸምዚ እናተዘዋወሩ ወንጌል ክምህሩ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ንብዙኅ ዘመን ኣብ በዓቶም ኮይኖም ብዘይ ገለ ምርኩስ ከም ዓንዲ ቆይሞም ብምጽላዮም ሓንቲ እግሮም ተቖርጸት፡ ናቶም ረድኢ (ኣገልጋሊ) ዝነበረ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ድማ ቀበራ። ኣቦና ግና ብሓንቲ እግሮም ን 7 ዓመታት ቆይሞም ጸለዩ። ብድኅሪ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦና ተገሊጹ “ጉያኻ ወዲእካ ኣለኻ ስለ ስመይ መከራ ተቐቢልካ ኢኻ’ሞ ዝኽርኻ ዝገበረ ብጸሎትካ ንዝእመን ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ” በሎም። ኣብ መወዳእታ ኣቦና ክዓርፉ ኣብ ዝቐረብሉ ደቀ መዛሙርቶም ኣኪቦም ከምዚ እናበሉ ክምዕድዎም ጀመሩ “እዞም ደቀይ ኵሉ መነኵሴ መንግሥተ ሰማያት ይኣቱ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ንዓለም ዝነዓቓ እዩ ዝኣቱ፡ ኣቐዲምኩም መንግሥቲ እግዚአብሔር ድለዩ፡ ጾምን ጸሎትን ኣዘውትሩ፡ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ትእዛዙ ሓልዉ” ብምባል ኣባ ኤልሳዕ ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ከም ዝኾኑ ነገርዎም።

ነሐሰ 24 1296 ዓም ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርኅን 10 መዓልቶምን ብሰላም ዓረፉ። እቶም መነኰሳት ድማ ኣብቲ ዝነብርዎ በዓቶም ቀበርዎም። 57 ዓመት ድኅሪ ዕረፍቶም ብ 1354 ዓ.ም ኣከባቢ ኣቦና ነቶም ሽዑ ኣበምኔት ዝነበሩ ኣቡነ ሕዝቅያስ ብራእይ ተገሊጾም ዓጽሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከእትውዎ ተማሕጸንዎም። ብግንቦት 12 ኣብቲ በዓቲ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ኣትዮም ዓጽሞም ብምርካብ ናብ ደብረ ሊባኖስ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። ኣቦና ብኅዳር 24 ምስ 24 ካህናተ ሰማይ መበል 25 ኮይኖም ዘገልገልዎ ይዝከር። ታኅሳስ 24 ልደቶም፡ ጥሪ 24 ስባር ዓጽሞም፡ መጋቢት 24 ጥንሰቶም፡ ግንቦት 12 ፍልሰተ ዓጽሞም፡ ነሐሴ 24 ድማ ዕረፍቶም ብቤተ ክርሰቲያን ይኽበር። በረኸቶምን ጸሎቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘለ ዓለም ይኹን ኣሜን።
ምስጋና ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን
ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን
ንኽቡር መስቀሉን ይኹን ኣሜን!!!